Strict Standards: mktime(): You should be using the time() function instead in /customers/9/1/4/afronorway.com/httpd.www/documents/our_unity.php on line 254 Warning: Cannot modify header information - headers already sent by (output started at /customers/9/1/4/afronorway.com/httpd.www/documents/our_unity.php:254) in /customers/9/1/4/afronorway.com/httpd.www/documents/our_unity.php on line 279 The Eritreans unity and dignity « afronorway.com site for info, news and the Eritrean mother language school in Oslo
AFRONORWAY.COM
News & info for the Eritrean community mother language school Oslo Norway

Subscribe newsletter

Language shool info

Blog discussion area

Community pictures

Send us your pictures

Give us suggestions

Event calendar

Our YouTube videos

About Eritrea

Focus on Eritrea

Constructive dialogue

Border commission

Contact us

All sitemap

Nyhet til alle Eritriere i Oslo  FM radio 99,3 hver søndag mellom 20:00 og 21:00, stille radio ditt på channel FM 99,3 og lytte til.


Community video's



Watch more video's



Information

Please use this account number when you pay for the semester bills. 78780559712.


Vær vennlig bruk denne kontonr 78780559712 når du betaler semster avgift. Konto'en tilhører til den Eritreisk Læreforening i Oslo Norge.




Vis større kart




You can analyze the past, but you have to design the future. We can build your website from concept to completion. We have the knowledge experience in web building and web-projects. We deliver complete website making the web possible and better place for you. More detail info here.



Google language tool's Translate this site.


The Eritreans unity and dignity

ጻዕራምነት ሓደ ካብ ክብርታት ኤርትራዊያን
መርኣያ ጻዕራምነት ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ተጸባዪ ረድኤት ምዃን ርእስኻ ብርእስኻ ምኽኣል ዝብል ኒሕ ኣበጊሱ ሓርኮትኮት ይብል ኣሎ።
እዚ ርእሰ ተኣማንነት ንባዕሉ ፍርቂ ናይቲ ዓወት ኢዩ። ከመይስ ከምቲ ናይ ሽሕ ስጉምቲ ጉዕዞ ብሓደ ስጉምቲ ዝፍለም ንዝኾነ ነገር ከኣ ክዕወት ኢየ እልካ ክትብገስ ከምዘሎካ ኢዩ።
ቅድሚ ሕጂ ብኒሕን ሓቦን ዝተበገሱ ተግባራት እሞ ኣብ መፈጸምትኦም ዝበጽሑ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ፈጺሙ ዓንዩ ዝነበረ ሕጂ ግን ዝሰርሕ ዘሎ መንገዲ ባቡር ኣስመራ ባጽዕ ክጥቀስ ይክኣል። እዚ ስራሕ እዚ፣ ሕጂ ተወዲኡ ኣብ መዓላ ምስ ወዓለ፣ ከም ቀልል ይርኤ ከይከውን እምበር ከም ግደ ሓቅስ ዝድነቕ ስራሕ ኢዩ። መንገዲ ባቡር ምስራሕ ወይ ተስረሑ ዝነበረ ግን ምዕራዩ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ግን ዝድነቕ ስራሕ ኢዩ ክብሃል ከሎ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ነገራት ስለ ዘሎ ኢዩ። ንሰራሕተኛታት ይኹን ንመሃንድሳት ከምኡ’ውን ንተኾናተርቲ እንዳኻፈልካ ይሰራሕ እንተዝብሃል ብቐዳምነት እቲ ዝኽፈል ባጀት ኣሎ ድዩ። ኣብ ኤርትራ እሞ ኸኣ ኣብ ነውሕን ኣህላኽን ውግእ ዝነበረት ሃገር ብመሰረቱ እቲ ባጀት የልቦን። እቲ ባጀት ስለዘየሎ ከኣ ብኡ መጠን ፕሮጀክትታት ከም ዝወጠንካዮን ከም ዝተመናኻዮን ክተፈጽም ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ኣብ ዘየሎ ባጀት ውጥናት ክተዔውት ምኽኣል በጀካ መርኣያ ጻዕራምነት ሕዝቢ ኤርትራ ካልእ ምስጢር ክህልዎ ኣይኮነን። ርእስኻ ብርእስኻ ምኽኣል ዝብል ኣምር ንገልኡ ሃገርን ሕዝብን ሰብኣዊ ክብርኻ ምጉንጻፍ ክኸውን ከሎ ንገልኦም ብሕብሪ ቆርቦቶም መን ከማና ዝብሉ ግን ተቐባልነት የብሉን። ሓደ ከም ኣብነት ክጠቅስ እንተኾይነ ዶክቶር ሺን ዝተባህለ ቀንዲ ጸላኢ ሕዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ቀደም ኢሉ ኤምባሲ ሃገረ ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብረ ኢዩ። እዚ ውልቀሰብ’ዚ ናይ ኤርትራ ርእስኻ ብርእስኻ ምኽኣል ጻዕሪ ኣይድግፍን ኢዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ተወክልቲ ባይቶ ኣሜርካ ዝርክብዎም ብዛዕባ ሽግራትን መፍትሕኡን ሽግራት ቀርኒ ኣፍርቃ ከብርህ ከሎ ካብ ዝበሎ ምጥቃስ ይኣክል። ከምዚ ዝስዕብ ከኣ በለ ”ኣሜርካ ከምቲ ንዓዓ ዝሰማምዓ ጌራ ነቲ ሽግር ቀርኒ ኣፍርቃ ክትፈትሖ ትኽእል ኢያ። ከመይሲ ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ ዝርከባ ሃገራት ተጸበይቲ ረዲኤት ኣሜርካ ስለዝኾና እዚ ዓቢ ተራ ክጻወት ይኽእል ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ከምቲ ድልየት ኣሜርካ ንኸይከውን ተሸግረና ኤርትራ ኢያ። ኤርትራ ካባና ረዲኤት ስለዘይትጽበይ ከምቲ ድልየትና ኽትኮነልና ኣይትኽእልን ኢያ” ዝበሎ ጥራሕ ምዝካር ይኣክል። ብዛዕባ ዶክቶር ሺን ተጻባእነት ንኤርትራ ዘርዝርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ቐንዲ ዓብይ ዕንወት ኣብ ኤርትራ ዘውረደሉ እዋን ግን ኣብ መንጎ 1995 ክሳብ 2002 ዝነበረ ግዜ ኤምባሲ ሃገረ ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንበረሉ እዋን ኢዩ። እዚ ውልቀሰብ’ዚ ባዕሉ ዝመርሖ ኣብ ዓዲ ግራት መራሕቲ ኣዘዝቲ ውግእ ወያኔ ዝተረኽብሉ ዋዕላ ኢዩ። እቲ ቐንዲ መሃንዲስ ውራር ወያኔ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣብ 1998 ክሳብ 2000 ዝነበረ ግዜ ምዃኑ ኢዩ። ንዶክቶር ሺን ዘይትወሓጠሉ ከኒና ጻዕራምነት ሕዝቢ ኤርትራ ኢያ።

Unity.pdf | Back-top



1 - 1 of 1





About Eritrea | border commission | Constructive dialogue | focus on eritrea election | old articles